ሽዱሽተ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ውዳባት ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ህሉው ጥሕሰት ዶብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ

ሽዱሽተ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ውዳባት ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ህሉው ጥሕሰት ዶብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ

ገዛኢ ስርዓት ጃንዳ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እሳያስ ኣፍወርቂን ጭፍራኡን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝቢ ኤርትራ ብጭካነ ረጊጽካ ብምምብርካኽ ንምግዛእን ከምኡ’ውን ንምውራድን፡ ብኽብርን ነጻነትን ኣብ ሃገሩ ናይ ምንባር መሰረታዊ መሰሉ ሓሪምዎ ይርከብ። ኣብ ወጻኢ ድማ ንዝምድና ሕዝቢ ኤርትራን ኣሓት ዝዀኑ ጐረባብቲ ሃገራት ብምብልሻው ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናይ ህዝብታት ቅልውላዋት፡ ግጭታት፡ ውጥርታት፡ ከምኡ’ውን ውግኣት እንዳፈጠረ ይነብር ኣሎ። ናይ‘ዚ ሓቀኛ ርኡይ ምስክርነት ኣብ ቀረባ እዋን ስርዓት እሳያስ ኣፈወርቂ ንኹሉ እቲ ብዓለም ደረጃ ብኹለን ሃገራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ቅቡል ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ኣሰራርሓ ባህልን፡ ልሙድ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲታትን ኣሰራርሓን ብምርጋጽ ዘይንቡርን ዘይሕጋውን ስራሓት ምፍታኑ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ሱዳን መንግስቲ ዘይፈልጦ ዋዕላ ናይ መራሕቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ንኸካይዱ ጸዊዑ።

ካልእ ስርዓት እሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዓለም ምሉእ ዝዕዘቦ ዘሎ ኣብ መንጎ ናይ ኢድትዮጵያ ናይ ሕድሕድ ውግእ፣ ንሓደ ኣካል ካብ‘ቶም ተዋጋእቲ ውድባት ንምድጋፍ ኣብ ዝተወልዐ ውሽጣዊ ግጭት ኣንጻር ግዝኣታውን ህዝባዊ ምምሕዳራትን ልዑላውነትን፣ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ወተሃደራዊ ምትእትታውዩ። ኣብ‘ቲ ዘይፍትሓውን ጨካንን ዝዀነ ውግኣት፣ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ንጹሃት ኤርትራውያን ሃገራውያን ዜጋታት፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ብግፋ ተገዲዶም ዝመጽኡ ውትሃደራት ቅሉዕ ናይ ሂወት ምጥፍእ ክርአ ከሎ፣ በቲ ካልእ ድማ ኣብ ልዕሊ መሬት ጎረቤት ትግራይን ህዝባን ዘየድላዪ፡ ዘይፍትሓውን ኣረሜናውን ኲናት ብምክያድ፡ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባራት ቅትለት፡ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ጥሜት፡ ናይ ንጹሃት ትግራዎት ምምዝባልን ከምኡ’ውን ዕንወት መሰረተ ናይ ልምዓት ትሕት-ቅርጻ ኣኸቲሉ እዩ።እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ስርዓት እሳያ ኣፈወርቂ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስምማዕን ብናይ ሓባር ተግባርን ወራር ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ጎረቤት ሃገር ብግልፂ ኢዱ ኣካይዱ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ኣህዛብ ዝምድናዊ ምቅርራብን፣ ናይ ደም ምትእስሳርን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ናይ ሓባር ረብሓታት ከይሓሰቡ ነዚ ዞባ ወሪሮምዎ እዮም። ብዘይካ’ቲ ናይ እሳያስ ኣፈወርቅን ጭፍራኡን እኩይ መንፈስ ዘንቀሎ እምበር ካልእ ርትዓዊ ዝዀነ ምኽንያትን ድርኺትን ዘይብሉ ወራር፣ ረብሓን ጥቕምን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ግን ሓደ እዩ።

ሎሚ እውን እሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሓዱሽ ዙር ኲናት ንምድላው፣ ዓበይቲ ሓይልታት ሰራዊት ብምእካብ፣ ቅልውላው ኢትዮጵያ ንምፍንጃርን ንምብርታዕን ክሰርሕ ንርኢ ኣለና። ሓይልታት ኤርትራ ወግዓዊ ወትሃደራዊ ዩኒፎርም ሰራዊት ኢትዮጵያ ክለብሱ ምግባርን ከደናግሮምን ክሽፍኑን ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ካብቲ ግንባር ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ መጥቃዕቲ ንምግባር ይዳሎ ኣሎ። እዚ ድማ ሕጂን ኣብ ዝግመት መጻኢን ቀጥታውን ከቢድን ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት መሬትን ረብሓ ህዝብን ኤርትራ ዘብጽሕ እዩ።

ካብዚ ኣረኣእያ’ዚ ተበጊስና፡ ንዓለም ከነረጋግጾ እንደሊ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ናይ‘ዚ ውዲት‘ዚ ስለ ዘይኰነ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተገበረ ገበን ኣካሉ ስለ ዘይኰነ ኣትሪሩ ይኹንኖ። ብተወሳኺ ነዚ ትርጉም ኣልቦን ናይ ዓያሹን ውግኣትን ኣብ ምክያድ ኣፍወርቅን ዘይሓላፍነታዊ ጉጅልኡን ዝወሰዶ ተግባራትን ሳዕቤናትን ጾርን ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይምልከቶ ግሉጽ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ሓደ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድማ በቲ ካልእ ዝፈጸሞ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ቅሉዕ ወራር ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንኹንኖ።

ብተወሳኺ ኣባላት ሓይልታት ኤርትራ ነቲ ብእሳያስ ኣፍወርቅን መራሕቲ ውድቡን ዶብ ጥሒስካ ንካልእ ሃገር ንምውራር ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዕሽነት ዝመልኦ ውግኣት ንምጥሓል ዝዓለመ ትእዛዛትን መምርሕታትን ክነጽጉዎን ክገጥሙዎን ንጽውዕ። ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉጥ ጂኦግራፍያዊ ዶባቶም ሃገሮም ክጸንሑን ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ግቡኦም ኣብ ምፍጻም ጥራይ ቃል ክኣትዉን ደጊምና ነማሕጽን። ብተወሳኺ ዓዶም ኣብ ሓደጋ ኣብ ትወድቀሉ እዋን ንዶብ ሃገርን ህዝብን ክከላኸሉ ቃል ክኣትዉ ነዘኻኽር።
ብተወሳኺ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመፃኢ መሬት ኤርትራ ካብ ምጥቃም ክቑጠብን፣ ኣብ ግዝኣታዊ መሬት ኤርትራ ዘሎ ሰራዊትኩም ብቕልጡፍ ናብ ዶባቱ ክትስሕቡ፣ ካብ መሬታትና ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣንጻር ካልኦት ኩለን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ተፃባኢ ኩናት ንምውላዕ ካብ ዝገብሮ ተወሳኺ ፈተነታት ከቋርፅን ፃውዒት ነቕርብ።

ቀጺልና ንክልቲኦም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት መልእኽቲ ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ዝርከቡ ክልተ ወገናት ተወሳኺ ዘየድሊ ከይከውን ናብ መኣዲ ዘተን ኣብ ክቢ ጠረጰዛ ክምለሱን ሰላዊ ዘተን ምርግጋእን ቀዳምነት ክህቡ ፃውዒት ነቕርብ። ንምርግጋእን ራህዋን ህዝብታቶም ክሰርሑ ልጓም ክገብሩን ንምዕድ። እዚ ንቀጻሊ ምፍሳስ ጠጠው ኣቢሉ፣ ንሓድነት ኢትዮጵያ፣ ድሕንነት፡ ምርግጋእን ጸጥታን ህዝባ፣ ድሕንነትን ምርግጋእን መላእ ዞባ ንምዕቃብን ስለ ዝሕግዝ እዩ።

ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡእ ኣቓልቦ ንኽገብርሉ እንብሎ ክንጠቅስ። እሳያስ ኣፍወርቂ ብሰንኪ እቲ ተለዋዋጢ ባህሪኡን መርገጺታቱን ዘተኣማምን መሓዛ ዘይምዃኑ ኣቓልቦ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ከቕልበሉ ንደሊ። ንሱ ጸላኢ ሰላም፡ ምርግጋእን ዲሞክራስን ስለ ዝዀነ፣ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሓድነትን ስጡም ዝምድናን ምትእስሳርን ረብሓን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣደልን እዩ። ብተወሳኺ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዘኻኽሮ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተሓጋጋዝን ተመላላእን ዝዀነ ዝምድና ክሃንጹ ከም ዘለዎምን፣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን ህዝብታተንን ዘሎ ሓባራዊ ረብሓታት ንምዕዋት ምስ ህዝቢ ኤርትራን ተኣማንነት ዘለዎም ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ተመላላእን ምትሕብባርን ዝምድናታት ንምህናጽ ብዕቱብ ክሰርሑን ጸጥታ፡ ርግኣት ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ንኽገብሩን ንጽውዕ።

ኣብ መደምደምታ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ነገር እንተሎ ነዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣንጻር ህግደፍ ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሓት ዝምልከት እዩ። ነዚ ናይ ህግደፍ ሰልዲ ንምእካብ ናይ ልመናን፡ ናይ ጽልኢ መርዚ ዝነዝሕሉ ፈስቲቫላት ጠጠው ንምባል ዝገብርዎ ዘለዉ ጅግንነታዊ ቃልሲ ብልቢ ነሞጉሶ። ህግደፍ ናይ ሕጊ ኣሰራርሓ ስለ ዘይብሉ ንውድቀቱ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ንምግጣም ብውዱብ መልክዕ ክካየድ እንዳኣተባባዕና፣ ህዝብና ኣንጻር ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግጣም ናይ ቃልሲ ንጥፈታቱ ከዕቢ በዚ ኣጋጣሚ ጸዋዒትና ነቕርብ።

መስከረም 2, 2022

1 – ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
2 – ውድበ ሓድነት ኤርትራውያን
3. ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ሳግም)
4 -ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ቢለን ኤርትራ
5- ህዝባዊ ጉባኤ ኤርትራ
6- ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን