*ህዝብን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተወ መራሒ መገሻ ዘይኮነስ ፍርዲ ኢዩ ዘድልዮ !*

 
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘይ መንጠቢቱን ኣብዘይ ድሌቱን ሓልፍነት ብዘይስመዖም መራሕቱ ተቀሲቡ ዘይጽወር መስዋእቲ ደቁ ከፊሉ ኣሎ ። ኣብ ክንዲ ደበስን ግቡእ ምላሽ ንሕቶታቱን ድማ እነሆ ኩሉ ጠለባቱ ተወንዚፉ ብመራሕቱ ብቀጻሊ ይጥለም ኣሎ ።
ህዝብናን ሃገርናን ዓለም ብገፋሓ ጸቢባቶም ዓለም ብብርሃና ጸልሚታቶም ክነሱ ገና ንኽሳቀዩን ኣብ ዘይንቡር ክነብሩን ተበይንሎም ኣሎ ። ካብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝዓቢ ዘየልቦ ክነሱ እናሻዕ ጓል መገዲ እንዳተሃንደሰ ኣብ ሰንፈላል ክንበር ዝግበር ዘሎ ሜላ እምበኣር ክሳብ መዓስ ኢዩ ክጽወር ? ንኹሉ ደረት ኣለዎ ከምዝበሃል ካብ ሕጂ ንደሓር ጥልመት መንግስቲ ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ተባሂሉ ብዘየላቡ ኩነታት ክምከት ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ ።
ሓደ ኣቦ ደቁ ቁራስ ባኒ ሓሪማቶም ክነሶም ኣፎም ከይዓበሰ ዙረት ኣይረኣዮን ኢዩ ። ኣየመልክዓሉን ድማ ። እቲ ምንታይ’ሲ ካብ ቤተሰብካ ዝበልጽን ቀዳምነት ትህቦን ክህሉ ስለዘክእል ። ኣይንተዓደሎ ኮይኑ ግን ንሕና ኤርትራውያን ህዝብና ገና ኣብ ናይ ዂናት ሃዋሁ እንዳነበረን ፍርቑ ተሰዲዱ ብዙሓት ኣብ ጎዳጉዲ ተሓይሮምን ቆልዓ ሰበይቲ ብጥሜት እንዳተገርፉን ነዚ ዕሽሽ ብምባል መራሒና ድሌት ሃብታማትን ሓያላት ሃገራትን ከሳሲ ንኽድምና ይጓየ ኣሎ ።
ጠላም ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንሃገርና ኤርትራ ምምራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ እንትርፎ መርገም ምርቃ ኮይንዋ ኣይፈልጥን ። ካብ ኹናት ናብ ኹናት ካብ ጸላም ንጸላም ካብ ጥሜትን ድሕረትን ናብ ፍጹም ውድቀት ድማ ከሰጋግራ ጸኒሑን ኣሎን ። ሓንሳብ ንሃገረ ኬንያ ጽንሕ ኢሉ ድማ ንሃገረ ሱዕዲ እንተገሸ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝብላዕ ሸሚቱ ከምጽእ ከምዘይኮነ ሕሉፍ ተሞክሮ ዝምስክሮ ጉዳይ ኢዩ ። ዘቤታዊ ዓበይትን ወሰንትን ሕቶታት ንከይምልስ ድማ ጎቦ ጎቦ እንዳበለ ኣታሃድማ ዕቡያት ይሃድም ኢዩ ዘሎ ። ደጊም ኣብ ናይ ጥልመት ዓዘቅቲ ኣዝዩ ተዋሒጡ ስለ ዘሎ ቀሊል መዋጽኦ ከምዘይብሉ ኣዳዕዲዑ ተሰዊጥዎ ኣሎ ። ስለዝኾነ ድማ ካብ ሕጂ ንኔው እቲ ክኸውን ዘለዎ ጉዳይ ፡ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ትጽቢት መልስታት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ክኸውን የብሉን ። ሕቶታት ህዝቢ ክምልስ ዓቅሚ ንዘይብሉ ዝወደቀ ስርዓት ደጊም ክንጽበዮ ዘይኾናስ ኬድና መሰላትና ካብ ኢዱ ክንምንዝዖ ጥራይ ኢዩ ዘለና ። ደላይ ፍትሒ ውን እንተኾነ ከምኡ ምስዝገብር ጥራይ ኢዩ ዘምሕረሉ ።
ሰላም ቅነ
ኣለምሰገድ (ከተማ ስያትል)
2 መጋቢት 2023