ትማሊ ሰኑይ ዕለት 01 ግንቦት 2023፡ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ በቲ ልሙድ ማዕከን ዜንኡ፡ ኣብዚ ሓድሽ ቅልውላው ሱዳን ኣተኲሩ ናይ ሓደ ሰዓት መደረ ጌሩ። ኢሳያስ ኣብ መደርኡ፡ ሱዳን ዝሓለፈቶም ናይ ዳርጋ 70 ዓመታት ፖለቲካዊ መድረኻትን፡ ኣብዚ ናይ ሱሳን ሾውዓተን ዓመታት ዘጋጠማ ዓቢ ፍሽለት ህንጸት ሃገርን፡ ዘለዋ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ብዝርዝር ከብርህ ፈቲኑ። ሱዳን፡ ይብል ንሱ፡ ብሰንኪ ተኸታተልቲ ስርዓታት ዝተኸተልዎ ዝምቡዕ ፖሊሲታት፡ ሃብታም ክንሳ ድኻ ዝተቐየረት ሃገር፡ ህዝባ ብቐጻሊ እትብትን ሃገር፡ መዕቆብን መነሃርን ዓለማዊ ግብረ ሽበራ ኮይና እተገልግልን ጠለብ ህዝባ ዘይተኽብርን ሃገር፡ ክብል ገሊጽዋ። ኣብ መወዳእታ፡ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ብክልተ ጀነራላት ዝምራሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ናይ ስልጣን ህልኽ ስለ ዝኣተወን፡ ኣብ ሱዳን ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ስለ ዘየለን ኢዩ ክብል ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተመሳሳሊ ሽግር ኣብሪሁ። ኢስያስ፡ እዚ ዘጋጠመ ናይ ሱዳን ሽግር፡ ዋላ እኳ ናይ ግዳም ምትእትታው እንተለዎ እቲ ቀንዲ ጸገም ግን ውሽጣዊ ምዃኑ ኣይሓበአን። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ህዝቢ ሱዳን ብፍኑው ኣብ ሰልፊ ወጺኡ፡ ነቲ ብጀነራል ዑመር ኣልበሺር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ብምዕላዉ ከኣ ንህዝቢ ሱዳን ዓቢ ናእዳ ሂቡ። ህዝቢ ሱዳን ይኣክል ምባሉ ካብ ትጽቢት ሰብ ወጻኢ ከምዘይነበረ ከኣ ኣስሚርሉ።
ኢሳያስ ኣብ መደርኡ ብዙሕ ካብ ሓቂ ኣይረሓቐን። እቲ ዘገርም ግን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ኣሎ ዝበሎ ጸገም፡ ኣብ ኤርትራ ብዝኸፈአ መልክዑ ምህላዉ ኢዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ኣስመራ ውግእ የለን። ኣብ ካርቱም ግን ውግእ ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ውግእ የለን ማለት ግን፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንቅስቓስ ይኣክል ደጋጊሙ፡ ጸገም ኤርትራ ውሽጣዊ እምበር ደጋዊ ኣይኮነን ክብሎ ዝጸነሐ እንሆ ኢሳያስ ብቃላቱ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ውሽጣዊ እምበር ደጋዊ ኣይኮነን ይብል ኣሎ። እሞ፡ እቲ ንሱዳን ዝረኽሞሸ ናይ ወተሃደራት ረጽምን፡ ሱዳን ዝተኸተለቶ ፍሽለት ህንጸት ሃገርን ኣብ ኤርትራ ከይድገም እንታይ ውሕስነት ኣሎ፧
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 32 ዓመታት ጥራይ ዝረኣዮ ምብትታን፡ ብመንጽር ዕብየት ሃገርን ብዝሒ ህዝብን ክረአ እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ኣዝዩ ይዓቢ። ሎሚ ኤርትራ፡ መንእሰያት ዘይብላ ሃገር ኢያ። ሎሚ ኤርትራ፡ ብቑጠባ ትሕቲ ዜሮ ዝወረደት ሃገር ኢያ። ሎሚ ኤርትራ መጻኢ ደቃ ዘይትፈልጥ፡ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ወዲቓ እትሳቐ ዘላ ሃገር ኢያ። ስለዚ፡ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ስቓይ ንኽትገላገል፡ ህዝባ ብፍኑው መንገዲ ኣብ ጎደና ወጺኡ መንግስቲ እንተዓለወ ኣብ ምንታይ ኢዩ እቲ ጸገም፧
ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ብቓላቱ፡ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ፖለቲካውያን ይኹኑ ወተሃደራውያን ሓይልታት፡ ኣብ ዘይእዋኑ፡ ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ስለ ዝኣተዉ፡ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ደርብየሞ ይብለና ኣሎ። ስለዚ፡ መራሕቲ ሓይልታት ሱዳን ክሳብ በሪ ኣማን ዝበጽሑ፡ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ደው ኣቢሎም፡ ኣብቲ መድረኽ ምስ በጽሑ ኣብ ውድድር ክኣትዉ ኔርዎም ይብል። እዚ ቃላት እዚ ካብቲ ብዘይ ቅዋም ን32 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝገዝእ ዘሎ “መራሒ” ክወጽእ እንከሎ፡ ካብ ምስሓቕ ሓሊፍካ ዝግበር የለን። “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጹፉለይ በለ” ኢዩ ነገሩ።
ኤርትራ፡ ካብ 1991 ክሳብ 1997 ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ኢያ ኔራ። ድሕሪ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም፡ ኤርትራ ናብ ቀዋሚ ወይ ንቡር መንግስቲ ክትሰግር ኔርዋ። ብሰንኪ፡ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ዝደልዩ ከም በዓል ኢሳያስን መሻርኽቱን፡ ግን ክሳብ ዕለተ-ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ የለን። ከም ሳዕቤኑ፡ ኤርትራ ናብ ፍጹም ምብትታንን ማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራዊ ረጽምን ምስ ጎረባብታ ኣትያ ኢያ። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዝበሃለና ዘሎ ናይ ስልጣን ውራውራ፡ ኣብ ኤርትራ ተራእዩስ ንሃገርና ኤርትራ ን32 ዓመታት ኣብ ዘይትወጾ ደልሃመት ኣእትይዋ ኢዩ።
ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ኤርትራ፡ ምስቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ሓይልታት ክትተሓጋገዝ ሕርያ ዘይኮነ ግድነት ምዃኑ የተንብህ። እዚ ንሃልኪ ህዝባዊ ዝምድናታት ተባሂሉ ዝቐረበ ቃላት፡ ኣይኮነን`ዶ ንመራሕቲ ሱዳን ንህዝቢ ሱዳን እኳ ዘደናግር ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ እሞ ኸኣ ቅንጣብ ዘደናግር የብሉን። እታ “ንሕናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣሕዋት ኢና፡ ክንተሓጋገዝ ኢና” ትብል ዝነበረት መልሓስ፡ ክልተ ዓመት ከይገበረት “ተኾሊፍና” ክትብል ተሰሚዓ ኢያ። ስለዚ፡ እዚ ምስ መራሕቲ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ምስቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ጽምዶ፡ ሓቅነቱ ገዲፍካ፡ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዘይወጽእ ህልኽ ንምሽማም እምበር ፍታሕ ንምምጻእ ኣይኮነን። ሓደ ኣብ ሃገሩ ቅንጣብ ፍቕሪ ዘይብሉ መራሒ መንግስቲ እንዳማቱ ሃገር ከፍቅር ዘይሕለም ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝበሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ 2019 ምስ ህዝቢ ደው ስለ ዝበለ ኢዩ እቲ ለውጢ መጺኡ። ስለዚ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ምስ ህዝቢ ደው ኢልካ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ናይ ህዝቢ ለውጢ ከተምጽእ፡ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ደጊሙ ደጋጊሙ ይጽውዕ።
ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
02/05/2023